ኣፍሪካ ኣብ ዝሕደስ ሓይሊ ዘለዋ ዓሚቕ ዓቕሚ ምጥቃም እንተኽኢላ ተጠቃሚነት ሓይሊ ዜጋታት ንምርግጋፅ ትኽእል ኢያ – ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ኣብ ዝሕደስ ሓይሊ ዘለዋ ዓሚቕ ዓቕሚ ምጥቃም እንተኽኢላ ተጠቃሚነት ሓይሊ ዜጋታት ንምርግጋፅ ከምትኽእል ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ መበል 85 ዓመት ምስረታ በዓል ዓለም ለኸ ማሕበር ኣካላት ምህንድስናን ምርምርን ብዌቢናር ተሳቲፎም፡፡

ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ 90 ሚኢታዊ ዝኸውን ዝሕደስ ሓይሊ ዓለም ካብ ግድባት ማይ ከምዝፍልፍል ብምሕባር፤ ኣፍሪካ እውን ኣብቲ ዘፈር ዘለዋ ዓሚቕ ዓቕሚ ክትጥቀም እንተኽኢላ ተረባሕነት ሓይሊ ዜጋታት ምርግጋፅ ከምትኽእል ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ተሃንፅ ኣላ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ እቲ ግድብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ምፍልፋል ብተወሳኺ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ኢንዱስትሪታት ንምስፍሕፋሕ፣ ብምኽንያት ሕፅረት ቀረብ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስቲዮ ዝበፅሕ ምንግልታዕ ኢሉ እውን ሸርፊ ወፃኢ ንምካብን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተኣሳሰረ ኢኮኖሚ ንምፍጣርን ከምዝሕግዝ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ማሕበር ኣብ ኣተገባብራ ሃይድሮ መካኒክስን ምህንድስና ሃይድሮሊክን ምርምራት ብምክያድ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ናይ ምድንፋዕ ዕላማ ሒዙ ዝተበገሰ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment