ኣፍሪካ ኣብ ውሽጢ ቤት ምኽ ፀፅታ ቀዋሚ መቐመጢ ንኽህልዋ መራሕቲ ኣፍሪካ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ፕሬዚደንት ሴኔጋል ማኪ ሳልን ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳን 54 ሃገራትን 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ህዝቢ ዘለዋ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተውሃባ ውክልና ፍትሓዊ ከምዘይኮነ ገሊፆም።

ፕሬዚደንት ሴኔጋል ማኪ ሳል÷ ኣፍሪካ እንተወሓደ ክልተ መቐመጢ ብቐወምቲ ኣባላት ንኽትረክብ ካብ ኣፍሪካ ወፃእ ምስ ዘለዉ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀፅታ ልዝብ እናገበሩ ከምዝኾ ገሊፆም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት “ርግፀኛ ኮይንካ ምዝራብ ዝከኣል 54 ሃገራት ዘለዉዋ ኣህጉር ኣፍሪካ÷ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ቀዋሚት ኣባል ኮይና እኹን ውክልና ከምዘይረኸበት ኢዩ” ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ ብግደኦም÷ “ፍትሒ ንደሊ ኢና፣ ኣፍሪካ ብደምቢ ክትውከልን ክትድመፅ ንደሊ ኢና፣ ምኽንያቱ ድማ ኣመለኻኽታን ኣተሓሳስባን 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ህዝቢ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ክድመፅ ኣይከኣለን፤ እዚ ቅሉዕ ሻራዊነት ጠጠው ክብል ይግባእ” ኢሎም።

እዚ ኣፍሪካዊ ፍትሓዊ ምንቅስቓስ ብግልፂ ከምዝተፀምበሩ ትማሊ ኣብ ትዊተር ገፆም ዘፍለጡ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ÷ ኣፍሪካ ብዝምልከት በቲ ቤት ምኽ ፀፅታ ዝውሰኑ ውሳነታት ካብ ውክልናን ድምፂን ኣፍሪካ ወፃእ ክተሓላለፉ ከምዘይግበኦም ኣስሚሮሙሉ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment