ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ኣብ ክሌማዊ ለውጢ እትገብሮ ስራሕ ዝማዕበላ ሃገራት ብፋይናንስ ክድግፋ ይግባእ ክብሉ ፕሬዚዳንት ኮፕ-28ን ሚኒስትር ኢንዱስትሪን ዝማዕበለ ቴክኖሎጂን ሕቡራት ኤሚሬትስ ዓረብ ሱልጣን ቢን ኣሕመድ ኣል ጃቢር ገሊፆም።
ኣብ መበል 19 ስሩዕ ጉባኤ ሚኒስትራት ሓለዋ ከባቢ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ ጉባኤ፥ “ፀገማት ሓለዋ ከባቢ ኣፍሪካ ንምፍታሕ ዕድላት ምጥቃም ትሕብብር ምጉልባት” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።
ፕሬዚዳንት ኮፕ-28ን ሚኒስትር ኢንዱስትሪን ዝማዕበለ ቴክኖሎጂን ሕቡራት ኤሚሬትስ ዓረብ ሱልጣን ቢን ኣሕመድ ኣል ጃቢር፥ ክሌማዊ ለውጢ ዓለም ኣብ ዝኸፍአ ፅዕንቶ ንክትጥሕል ገይሩዋ ኢዩ ኢሎም።
ክሌማዊ ለውጢ ዘስዕቦ ፅዕንቶ ንምቕናስ ኣብ ዝግበር ከይዲ ቀረብ ፋይናንስ፣ ተበፃሕነትን ተመጣጣናይነትን ምጉዳል ልዑል ዕንቅፋት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
በአየር ንብረት ለውጥ ምክንያት እየደረሰ የሚገኘውን ተጽዕኖ ለመቋቋም ደግሞ ጠንካራ የትብብር ሥርዓት በመዘርጋት ውጤታማ ስራ ማከናወን ይገባል ብለዋል፡፡
ብምኽኒያት እቲ ክሌማዊ ለውጢ ዝበፅሕ ዘሎ ፅዕንቶ ንምፅዋር ጠንካራ ስርዓት ምትሕብባር ብምዝርጋሕ ውፅኢታዊ ስራሕ ምስራሕ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።
ነዚ ድማ ዝማዕበላ ሃገራት፥ ኣፍሪካ ኣብ ክሌማዊ ለውጢ እትገብሮ ስራሕ ብፋይናንስ ክድግፋ ይግባእ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።