ኣፍሪካ ማእኸል ለበዳ ኮቪድ-19 ክትከውን ትኽእል’ያ -ውድብ ጥዕና ዓለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም፥ ኣፍሪካ እታ እትቅፅል ማእኸል ለበዳ ኮቪድ-19 ክትከውን ትኽእል’ያ ክብል ኣጠንቒቑ።

ኣብዛ 1 ነጥቢ 3 ቢልየን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣህጉር ክሳብ ሐዚ ኣስታት 19 ሽሕ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ክልከፉ እንከለዉ፥ ዛጊድ  ኣስታት 1 ሺሕ ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

እዚ ቁፅሪ ምስ ሃገራት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ብምንፅፃር ውሑድ እኳ እንተኾነ ንቐፃሊ ግን ስራሕ ዘድሊዮ ከምዝኾነ ይግለፅ።

እቲ ሕማም ዝያዳ ኣብተን ርእሰ ከተማታት ከም ዝርከብ ዝሓበረ ውድብ ጥዕና ዓለም፥ ኣፍሪካ ነዚ ሕማም ከመክት ዝኽእል እኹል  “መካኒካል ቬንትለተር” ከምዘይብላ ሓቢሩ።

ክኢላታት ጥዕና፥ ቫይረስኮሮና ኣብ ኣፍሪካ እንተተላቢዑ ካብቲ ኣብ ሃገራት ኣወሮፓን ኣሜሪካን ዘኸተሎ ዕንወት ኣብዛ ኣህጉር ዝኸፈአ ነገር ከጋጥም ከም ዝኽእል’ዮም ዝገልፁ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪካ ንሓደ ሚልየን ሰብ ሓሙሽተ ንፅኑዕ ክንክን ዘድልዮም ሕሙማት ኩሉ ዘማልእ ዓራት ከምዘሎ ብምሕባር፥ ኣብ ኣውሮፓ ግን ንሓደ ሚልየን ሰባት 4 ሺሕ ተመሳሳሊ ዓራት ከምዘሎ ብምጥቃስ ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ሕፅረት የብርህ።

ኣብ ኣፍሪካ ሓላፊት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾና ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ፥ ኣፍሪካ ንሕፅረት ትሕተ ቅርፂ ሕክምና ኣብ ግምት ኣእትዩ ሃገራት ኣፍሪካ ንዝሓምሙ ከሐክም ዝኽእል ዓቕሚ ስለዘይብለን ዝያዳ ኣብ ምክልኻል እቲ ሕማም ክሰርሓ ከምዘተባብዑ ሓቢረን።

“ዕላማና ቁፅሪ ተወፂዖም ፅኑዕ ክንክን ዘድልዮም ሰባት ምውሓድ’ዩ፤ ምኽንያቱ ሃገራት ኣፍሪካ እቲ ቀንዲ ዘሸግረን ዘሎ ዋሕዲ ቬንትለተር’ዩ” ድማ ኢለን።

ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝያዳ ዘጨንቕ እቲ ሕማም ኣብቲ ሰብ ብፃዕቒ ዝነብሮ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ተገባራዊ ዘይኮነሉ ቦታታት ከይእቱ’ሞ እኹል ቀርብ ማይን ሳምናን ዘይብሎም ግዳያት ከይኾኑ’ዩ ክብላ ድማ ገሊፀን።

ስለዝኾነ ዶክተር ማቲሺዲሶ ሞቲ ሃገራት ኣፍሪካ ክገብረኦ ኣለወን ዝበለኦ እንትገልፃ፥ ኣካላዊ ምርሕሓቕ ወይ’ውን ዕፅዋ፣ ንጥርጡራት ምርካብ፣ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ቀልቲፍካ ምፍላጥን ንጡርጡራት ምፍላይን ምውሻብን ከምዝኾነ ሓቢረን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment