ኣፍሪካዊ ፀገማት ብኣፍሪካውያን ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ኣብ ሞንጎ ሰለስተ ላዕለዎት ትክላት ትምህርቲ ስምምዕነት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካዊ ፀገማት ብኣፍሪካውያን ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ብመፅናዕቲን ምርምርን ንምሕጋዝ ኣብ ሞንጎ ሰለስተ ላዕለዎት ትክላት ትምህርቲ ኣፍሪካ ስምምዕነት ተገይሩ።

እተን ትካላት መፅናዕቲን ምርምርን ዘተሓባብር ሓበራዊ ግበረ ሓይሊ ምጥያሸን ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ዘጣየሸኦ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ፣ ዩጋንዳን ሩዋንዳን እንትኾና፥ ኣብ ኣፍሪካ ዝፍጠሩ ፀገማት ብኣፍሪካውያን ንኽፍትሑ ብመፅናዕቲን ምርምርን ዝተደገፈ ሓገዝ ክገብራ ኢየን ተባሂሉ።

ካብ ኢትዮጵያ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር፣ ካብ ዩጋንዳ ዩኒቨርሲቲ ማኬሬሬን ካብ ሩዋንዳ ዩኒቨርሲቲ ኪጋሊን ዘጣየሸኦ ግብረ ሓይሊ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሃሬ ነቲ ግብረ ሓይሊ ከምዘተሓባብር እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment