ኣፍሪካን ሩሲያን ባህላዊ ርክበን ዳግም ብምህናፅ ሕውነተን ከጠናኽራ ይግባእ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካን ሩሲያን ባህላዊ ርክበን ዳግም ብምህናፅ ሕውነተን ከጠናኽራ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር “ባህሊ ሩሲያ ኣፍሪካ ዳግም ምህናፅ” ብዝብል መሪሕ ቃል ብኢንተርኔት ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ጉባኤ ፓርቲታት  መደረ ገይሮም።

ኣብ ዝገበርዎ መደረ ድማ፥ ኣፍሪካን ሩሲያን ባህላዊ ርክበን ዳግም ብምህናፅ ሕውነተን ከጠናኽራ ይግባእ ኢሎም።

ብተወሳኺ ሓድነተን ብምፅናዕ መሰረታዊ ሕቶ ህዝብታት ንምምላስ ተፅዕኖ ክገብሩልና ኣብ ቅድሜና ደው ንዝበሉ ፀላእትና ክምክታ ኣለወን ኢሎም።

እቲ ጉባኤ መሪሕ ፓርቲታት ሓዊሱ ካልኦት ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ንምርግጋዕ ሃገራዊ ፖሊቲካን ንዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ዘለዎም ግደ ብግልፂ ዘርእይ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኩሉ ነገር ኣብ ክሊ ሓቂ መሰረት ዝገበረን ውልቃዊ ብቕዓትን ሓበራዊ ዝኾነ እወንታዊ ስብእናን ንምፍጣር ዘኽእል ውፅኢታዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ፍልስፍና ንምፍጣር ዘኽእክ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዘሎ ገሊፆም።

“ኣነ ውን ነዚ ኣተሓሳስባ ዘሰጉም ፓርቲ ብልፅግና ብኣቦመንበርነት ኣብ ምምራሕ እርከብ” ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment