ኣፍረይቲ ኣብ ኣሰራርሓ ጉምሩክ ዘጋጥሞም ፀገማት ንምፍታሕ ይስራሕ ኣሎ

ኣፍረይቲ ኣብ ኣሰራርሓ ጉምሩክ ዘጋጥሞም ፀገማት ንምፍታሕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኮሚሽን ጉምሩክ ኣብ ኣሰራርሓ ጉምሩክ ምስ ኣፍረይቲ ትካላት ዘተ የካይድ ኣሎ፡፡

ኮሚሽን ኮሚሽነር ደበሌ ቃበታ ÷ኣፍረይቲ ትካላት ንዝገጥሞም ፀገማት ምላሽ ንምሃብ ኣብ ምንቅስቓሳት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘለዎ ግደ ንምዕባይ ጠመተ ተዋሂብዎ ይሰራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡

ኣፍረይቲ እቲ ዓውዲ ንምብርትታዕ ዝተፈላለዩ ተግባራት ምክያዱ ብምሕባር÷ ብፋላይ ኣብ ምምሕያሽ ሪፎርም ኢኮኖሚ ዝበረታታዕ ውፅኢት ምምዝጋቡ ተዛሪቦም፡፡

ብካሊእ ወገን ድማ እቲ ኮሚሽን ኣሰራርሕኡ ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ፖሊሲታት ንምምሕያሽ ዝሰርሖም ተግባራት ተፀራሕቲ ምዃኖም ሓቢሮም፡፡

ዝተመሓየሸ ፖሊሲን ብቀንዲ ፍትሓዊን ተኣማኒን ግልጋሎት ምሃብ ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት ተግባራዊ ንምግባር ዝሕግዝ እዩ ኢሎም፡፡

ከምኡውን ኣብ ቁፅፅር ዶብ ንምጥንኻር ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣሰራርሓ ኣብ ረብሓ ምውዓል ዘኽእል ምኳኑ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ኮሚሽ ኣሰራርሕኡ ካብ ምምዕባልን ምምሕያሽን ብዝሓለፈ ምስ ኣፍረይቲ ትካላት ዘለዎ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ንምጥንኻር ካሊእ ትኹረት ኣንፈት ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ብፋላይ ኣብ ቀረፅ፣ ምቅላል ግብርን መሰል ተግባራትን ኣፍረይቲ ትካላት ንምብርትታዕ ዝስርሑ ምዃኖም ኣብሪሆም፡፡

Comments (0)
Add Comment