ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኢትዮጵያን ቻይናን ልምዲ ዝለዋወጥሉ መድረኽ ንክሰናዳእ ዘኽእል ስምምዕነት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኢትዮጵያን ቻይናን ልምዲ ዝለዋወጥሉ መድረኽ ንክሰናዳእ ዘኽእል ስምምዕነት ተኻይዱ።

ኣብ መንጎ ሚኒስቴራት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ካብ ከልቲአን ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ማሕበረሰብ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ልውውጥ ልምዲ ዝገብርሉ መድረኽ ንክሰናዳእ ስምምዕነት ተገይሩ።

ሰብ ሃፍቲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ቻይና እቲ ልውውጥ ልምዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓቕሚ ኢንቨስትመንት፣ ምቹእ ፖሊስን ኣማራፅታት ኢንቨስትመንትን ብምግንዛብ ኢንቨስት ንክገብሩ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

Comments (0)
Add Comment