ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ዝሳተፉሉ “የኛ ምርት” ዝተሰየመ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ዝሳተፉሉ “የኛ ምርት” ዝተሰየመ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ተኸፊቱ።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሆቴል ስካይላይት ዝተኸፈተ ኤግዚቢሽንን ባዛርን፥ “ኢትዮጵያ ተፍሪ ንሕናውን ንሸምት” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበልን ኣመራርሓ ትካላት ፌዴራልን ክልልን ኣብ ዝተረኸብሉ ኢዩ ተኸፊቱ ተባሂሉ።

ኣብቲ ካብ 3 ክሳብ 7 ኤግዚቢሽንን ባዛርን፥ ታሕሳስ ዝፀንሕ ልዕሊ 100 ኣብ ጨርቃ መርቅን ኣልባሳትን፣ ውፅኢት ቆርበት፣ ኣግሮፕሮሰሲንግ፣ ፍሪያት ኢንጂነሪንግን ስራሕቲ ምህዞን ዝተዋፈሩ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ተረኺቦም።

Comments (0)
Add Comment