ኣፈ-ጉባዔ ታገሰ ጫፎ ኣብ ሙዚየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ-ጉባዔ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ሓዊሱ ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብ ሙዚየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ኣካይዶም።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ድማ እቲ ሙዚየም ነቶም ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከምዘጎብነየኦም ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ገሊፀን፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ዑደት ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ÷ ተምሳሌት ሓድነት፣ ምትሕብባበርን ሰዓራይነትን ኢትዮጵያውያን ዝኾነ ዓወት ዓድዋ ዘንፀባርቕ እቲ ሙዚየም÷ ስብራት ታሪኽ ብዝፅግን መልክዑ ከምዝተሃነፀ ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ንወለዶ ዝመሓላለፍ ህያው ታሪኽ ኮይኑ ከምዝተሃነፀ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment