ኣፈ-ጉባኤ ኣገኘሁ  ዓወት ዓድዋ ሓበራዊ ሓድነት ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዘንበረ ኢዩ ኢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ  ዓወት ዓድዋ ሓበራዊ ሓድነት ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዘንበረ ኢዩ ኢሎም።

‹‹ዓድዋ ኩርዓት መላእ ፀለምቲ ህዝብታት›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይኽበር ኣሎ።

እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ሎሚ ዘበን ዝተኸበረ በዓል ዓወት ዓድዋ ነቲ ዓወት ብዝምጥን ዝኽሪ ዓድዋ ኣብ ዝተሃነፀሉ ምኽባሩ ፍሉይ ይገብሮ ኢሎም።

ኣቦታትና ሕልሚ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምምካን ዝኸኣሉ ብምድምማፅ ብሓባር ብምስላፍ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ንሕና  እውን ሓድነትን ሓበራዊ ራእይን ክህልወና ይግባእ እንብል ካብዚ ብምብጋስ ኢዩ ኢሎም።

ዓወት ዓድዋ ሓበራዊ ሓድነት ኣብ ፅኑዕ መሰረት ዘንበረ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ዝኽሪ ዕላዊ ንክኸውን ንዝገበሩ ኣካላት አመስጊኖም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment