ኣፈ-ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣምባሳደር ካናዳ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣምባሳደር ካናዳ ስቴፋን ጆቢን ኣብ ጉዳይ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ኣድሂቦም ዘትዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ፤ኢትዮጵያ ፖለቲካን ካልኦት ዝኣመሰሉን ብርጉእ መንገዲ ብምይይጥን ዘተን ንፍታሕ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣጣይሻ እናሰርሐት ከምዝኾነ ኣፈጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያን ካናዳን ስርዓት ፌዴራል ተኸተልቲ ሃገራት ከምቲ ምዃነን ብኣተሓሕዛ፤ ብስርዓት ፊስካል ስግግርን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኢትዮጵያ ካብ ካናዳ ፅቡቕ ልምዲ ንምቕሳን ድልውቲ ከምዝኾነት ሓቢሮም፡፡

ብተወሳኺ ድማ መንግስቲ  ካናዳ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ኩለመዳያዊ ሓገዝን ምትሕብባርን እቶም ኣፈ-ጉባዔ ንኢዶም፡፡

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ምስ ካናዳ መዘና ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘለዎ ፅኑዕ ድልየት እውን ገሊፆም፡፡

ስቴፋን ጆቢን ብግደኦም፤ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ብማሕበራዊ፤ ብኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት ንነዊሕ ጊዜ ተጠናኺሩ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም፡፡

እቶም ኣምባሳደር መንግስቲ ካናዳ ብግድኡ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ እውን ኢሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

Comments (0)
Add Comment