ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብ ወረዳ ገዜ ጎፋ ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ኣፅናዕኒዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ኣፅናዕኒዖም።

ኣብታ ወረዳ ቀበሌ ኬንቾ ሳቻ ጎዝዲ ብቅድሚ ትማሊ ብዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ምኽንያት ጉድኣት ከምዘስዐበ ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራል ጉድኣት ኣብ ዝበፅሖም ወገናት ብምርካብ ከምዘፅናዕንዑዎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

መንግስቲ እቲ ክልልን ነበርቲ እቲ ከባቢን ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕቲ መድሕን ህይወትን ተወሳኺ ሓደጋ ከየጋጥም ንምግባር ዘኽእሉ ተግባራት እናወገኑ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment