ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ምስ ኣምባሳደር ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ሓመድ ኣል ዶሳሪ ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኳታርን ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ከልቲኣዊ ርክብ ኢኮኖሚያዊ፣ ማህበራዊን ፖለቲካዊን ከምዘለወን እቶም ኣፈ ጉባኤ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም፥ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ነቶም ኣምባሳደር መብርሂ ብምሃብ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘቲዮም።

መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝገበሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪን ብዛዕባ ብምኽኒያት ኮቪድ 19 ዝተገበረ ሕገ መንግስታዊ ምንዋሕ ምርጫን ኣረዲኦም።

እቲ ውሳነ ስዒቡ ካብ ክልል ትግራይ ወፃእ ኩለን ክልላት ሕገ መንግስታዊ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣኽቢረን ተፈፃሚ ከምዝገበራ ተዛሪቦም።

ይኹን እንበር ኣመራርሓ ህወሓት ሕገ መንግስታዊን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ብዝቃረን መገዲ ኮሚሽን ምርጫ ክልል ብምጥያሽ ዘይሕጋዊ ምርጫ ከምዝገበሩ ኣረዲኦም።

መንግስቲ ፌዴራል ንህዝቢ ትግራይ ክብል ክወስዶም ዝግባእ ሕገ መንግስታዊ ስጉምቲታት ብምዝንጋዕ ንዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት እኹል ጊዘ ከምዝሃበ እቶም ኣፈ ጉባኤ ሓቢሮም።

እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን መነወሪ ስጉምቲ መጥቃዕቲን ክሕደት ሃገርን ምፍፃሙ ስዒቡ መንግስቲ ፌዴራል ተገዲዱ ናብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከምዝኣተወ ተዛሪቦም።

እቲ ወፍሪ ኣብ ዚ ሐዚ እዋን ብዓወት ተዛዚሙ ገበነኛታት ናይ ምህዳንን ዝተመዛበሉ ዜጋታትን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓትን መሊስካ እግሪ ናይ ምትካልን ምህናፅን ምዕራፍ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ብምትሕብባር ሚኒስቴር ሰላም ዜጋታት መሊስካ እግሪ ናይ ምትካልን ሰብኣዊ ደገፋት ናይ ምቕራብን ስራሕቲ ዝሰርሕ ኮሚቴ ብምጥያሽ ህዝቢ ናይ ምትሕብባር ስራሕ ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም።

ኣምባሳደር ሓመድ ኣል ዶሳሪ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ለውጢ ኣዝዩ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ምንቅስቓስ ንክዕወት መንግስቲ ኳታር ዝገብሮ  ደገፍ ልምዓትን ምትሕብባርን ከምዘየቋርፅ ገሊፆም።

ሰብ ሃፍቲ ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ንምስታፍ ባህጊ ከምዘለዎም አውን ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment