ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ምስ ተወከልቲ ባንኪ ዓለም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጉንበት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ምስ ተወከልቲ ባንኪ ዓለም ተዛቲዮም።

እቶም ኣፈ ጉባኤ ተወካሊ ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳንን ቀጠና ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ብዝኾኑ ዶከተር ኡስማን ዲዎን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢዮም ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ዘዘራረቡ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ነቶም ጉጅለ ልኡኻት ስልጣንን ተግባርን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝምልከት ገለፃ ተገይሩሎም፡፡

ባንኪ ዓለም ልምዓት ኢትዮጵያ ንምድጋፍ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ዝነኣዱ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ እቲ ባንኪ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ተወካሊ ባንኪ ዓለም ዶከተር ኡስማን ዲዎን ብግደኦም፥ እቲ ቤት ምኽሪ እናሳለጦ ዝርከብ ስራሕ ብምንኣድ ኣብ ቀፃሊ ዘሳልጦም ተግባራት ንምድጋፍን ሓቢሩ ንምስራሕን ድሌት ከምዘለዎም ኣብሪሆም።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ኣመልኪቶም ምስጋና ምቕራቦም ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment