ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፌዴሬሽን ትካላዊ ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ ከምዝግበር ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፌዴሬሽን ፌዴሬኢ ኣይተ ኣደም ፋራህ ትካላዊ ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ ከምዝግበር ገሊፆም።

እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ምስ ቀወምቲ ኮሚቴታት እቲ ባይቶ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈትን ዳይሬክቶሬታትን፥ ሓዳሽ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ወይዘሮ እፀገነት መንግስቱ ኣብ ዝተረኸባሉ ስነ-ስርዓት ምፍላጥን ኣብ ዙርያ ኣሰራርሓ ዘድሃበ ዘተን ኣካይዶም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ፈፀምቲ ሰለስቲኦም ዕላማታት እቲ ቤት ፅሕፈትን ዳይሬክቶሬት ኮሙኒኬሽን ርክብ ህዝቢን ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሑ ቀንዲ ቀንዲ ኣፈፃፅማታት ዝምልከት ዘተ ተሳሊጡ።

ብተወሳኺ ኣብ ትልሚን ኣፈፃፅማን በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ዘድሃበ ዘተ ከምዝተገበረ ካብቲ ባይተ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ካብዚ ብምብጋስ ድማ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ ኩለመዳይ ኣሰራርሓ እቲ ባይቶን ቀፀልቲ ናይ ትኹረት ኣንፈታትን ዘተ ተገይሩ ሓፈሻዊ ለውጡ ኣሰራርሓ ከምዝግበር ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment