ኣፈ ጉባኤን ኣመራርሓታትን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቅድመ ምድላው መረፃ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎን ኣመራርሓታት እቲ ባይቶን ቅድመ ምድላው መረፃ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ንምዕዛብ ዑደት ኣካይዶም።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፥ ሻድሻይ ካገራዊ መረፃ መከላኸሊ መገዲታት ቫይረስ ኮሮና ብምትግባር ንኽካየድ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝወቐረበ ምኽረ ሓሳብ ብጭቡጥ ብምፅናዕ ምውሳኑ ይፍለጥ።

እዚ መሰረት ብምግባር ድማ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ግቡእ መከላኸሊ ስጉምቲታት እናወሰደ ኣብ 2013 ዓ.ም ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ስርሑ ንኽጅምር እቲ ባይቶ ወሲኑ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ውሳነ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ቅድመ ምድላዋት ንምዕዛብ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎን ኣመራርሓታት እቲ ባይቶን ኣብ ቀፅሪ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ተረኺቦም ገይሮም።

ኣብቲ ዑደት ሓፈሻዊ ምድላው ናውቲ መረፃ ዝተዓዘቡ እንትኾኑ፥ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኮሮጆ መውሃቢ ድምፂ ሓዊሱ ንሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ዝተዳለዉ ካልኦት ዘበናዊ ኣቑሑት ብምንፃፃር ዕዛቦም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ድሕሪ እቲ ዑደት ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ፥ ብሄራዊ በሮርድ መረፃ ኣብ 2013 ዓ.ም ንዝካየድ 6ይ ዙር ሃገራዊ መረፃ ኣድላዪ ምድላው ናውቲ ምግባሩ ከምዘረጋገፁ ተዛሪቦም።

እቲ ቦርድ ዝገበሮ ምድላው ናውቲ መረፃ 90 ሚኢታዊ ከምዝተማልአ ምርግጋፆም እውን ገሊፆም።

“ናይዚ ዓመት መረፃ ተኣማኒ፣ ዴሞክራሲያዊን ግልፂን ንኽውን ዝሕግዙ ኣድለይቲ ኣቑሑት ከምዝተሰናድኡ ኣብቲ እዋን ዑደት ተዓዚብና ኢና” ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኩሉ ህዝቢ ትዮጵያን ፓርቲታት ፖለቲካን እቲ መረፃ ፍትሓዊን ተኣማኒን ኮይኑ ንኽዛዘም ብፅሒቶም ከምዝግባእ ድማ እቶም ኣፈ ጉባኤ ፀዊዖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment