ኣፈፃፅማ ስራሕ መንፈቕ ዓመት ትካላት ልምዓት መንግስቲ ተገምጊሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣካል መርሃ ግብሪ ሃገር በቆል መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝኾነ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ምምሕያሽ ውፅታዊነት፣ ተወዳዳራይነቶም ንምድንፋዕን ኣወሃህባ ግልጋሎቶም ቅለርጡፍ ንኽኾኑ ንምድጋፍ ዘተኮረ ንሓሙሽተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ዘተ ተጀሚሩ።

ኣብ ትሕቲ ኤጀንሲ ምምሕዳርን ትሕዝቶን ትላት ልምዓት መንግስቲ ኣብ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን፣ ኣብ ሕርሻን ምቅንብባር ሕርሻን፣ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታትን ኢንጂነሪንግን፣ ዘፈር ንግዲን ኣገልግሎትን፣ ትካላት ፋይናንስ፣ ኣብ ትሕቲ ምርድዳእን ህንፀትን ተመዲቦም ዝርከቡ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣፈፃፅማ ስራሕ መንፈቕ ዓመት ትካላት ልምዓት መንግስቲ እናተገምገመ ይርከብ፡፡

ንኹሎም ትካላት ልምዓት ኣብ ፀብፃብ ኦዲት ዝተውሃቡ መመሓየሺ ሓሳባት ተግባራዊነቶም ንኸረጋግፁ ትኹረት እቲ ገምጋም ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፥ መንግስቲ እቶም ትካላት ልምዓት መንግስቲ ንምድጋፍ ኮሚቴታት ቴክኒክ ኣጣይሹ እናሰርሐ ምፅንሑ ብምዝኽኻር፤ ብፍላይ ኩሎም ትካላት ልምዓት ዓለም ለኸ ምምሕዳር ፋይናንስን ስርዓት ኣተሓሕዛ ሒሳብን ተኸቲሎም ክትግብሩ ብምግባሩ ምምሕያሽ ኣሰራርሓ እናተረኸበ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ትካላት ልምዓት ኣብ ልምዓትን ዕቤትን ሃገር ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ንኸበርክቱ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ፖሊሲ ብምሕንፃፅን ስርዓት ኣሰራርሓ ብምንዳፍን ተግባራዊ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment