ኣጎዋ ካብ ዘለዎ ረብሓ ንላዕሊ ትኹት ተዋሂቡዎ ኢዩ – ኣይተ ክቡር ገና

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ሃገራት ኣፍሪካ ፍርያተን ካብ ቀረፅ ናፃ ብምግባር ፍርያት ናብ ሃገራ ንኸእትዋ ዝሃበቶ ዕድል ኣጎዋ ካብ ዝህቦ ረብሓ ንላዕሊ ትኹረት ከምዝተውካቦ ዋና ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣፍሪካን ኣመራርሓ ኢዜማን ኣይተ ክቡር ገና ገሊፆም።

ኣይተ ክቡር ገና ኣብ ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን ፋና ቀሪቦም ምስ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝበሉዎ፥ ኣጎዋ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2025 ዝዛዘም ፕሮጀክት እምበር ቀፃልነት ዘለዎ ዘተኣማምን ፕሮጀክት ኣይኮነን።

ስለዝኾ ድማ ኣብ ጉድኣት ጥራሕ ካብ ምትኳር ካልኦት ኣማራፂታት ምድሃብ ግቡእ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ኢትዮጵያ ብኣጎዋ ኣቢላ እናሸጠቶም ካብ ዝነበሩ ፍርያታት እቲ ዝዓበየ ፍርያት ቡን ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ክቡር ገና፥ እዚ ምትራፉ ድማ ፀገም ኣየምፀእን፤ ምኸንያቱ ድማ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዕዳጋ ተደላዪ ስለዝኾነ ኢሎም፡፡

ብፍላይ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ንግዲ ምጥንኻር ንዝቕፅል ምንቅስቓስ ንግዲ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ምስ ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ብዛዕባ ዘሎ ርክብ እንተልዕሉ ድማ ዝኾነት ትኹን ሃገር ርክበን ንምምስራት ዝንቀሳቐሳ ረብሕኡ ብዝሕሉ መልክዑ ከምዝኾ ብምሕባር፤ እዘን ሃገራት እውን ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ረክብ ሙሉእ ጠጠው ከምዘይበለ ኣልዒሎም።

ርክበን ሙሉእ ብሙሉእ ዘይተቛረፀሉ ምኽንያት ድማ ዝሓስባሉ ናይ ባዕለን ረብሓ ስለዘሎ ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ክቡር ገና፥ ንሓበራዊ ረብሓ እንትበሃል ብወገን ኢትዮጵያ እውን ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ኣተሓሕዛ ምስትኽኻል ይግባእ ኢሎም፡፡

ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ብምጥቃም ናይ ወፃኢ ርዳእታ እንተይተፀበና ብባዕልና ዓቕሚ ዝተበላሸወ ምስትኽኻል ይግባእ፤ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ገይራቶ ኢያ” ኢሎም፡፡

እዚ ንምግባር ዝተወሰኑ ዓመታት እውን እንተኾነ መሊስካ ህንፀትን ተጎዳእቲ ናይ ምጥያሽ ስራሕቲ ንምስላጥ ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ፖሊሲ ምግባር ከምዝሓትት ኣመልኪቶም።

ካሊእ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ዝረአ ድማ ኣፍሪካውያን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ፅቡቕ እናኾነ ምምፅኡ ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ክቡር ገና፥ ድሌት ስለዘሎ ትኹት ተዋሂቡ ክስረሐሉ ይግባእ ኢሎም ከምዝኣምኑ ገሊፆም።

ብኣመለወርቅ ደምሰው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment