ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ መበል 17 መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ምኽኒያት ብምግባር መግለፂ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጠቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ መበል 17 መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ምኽኒያት ብምግባር መግለፂ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፉ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ “ሰንደቕ ዓላማና ንብሄራዊ ሓድነትና፣ ሉእላዊነትናን ብራኸ ኢትዮጵያን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ መዓልቲ ንመበል 17 ግዘ ኣብ ማላእ ሃገር ክኽበር ኢዩ ኢሉ።

ኣብዚ ዕለት ኣብ ቅድሚ ሰንደቕ ዓላማ ደው ኢልና እንትነኽብር ዘለዎ ትርጉምን ክብሪን ብኣግባቡ ብምርዳእ ኢዩ ኢሉ።

ሰንደቕ ዓለማና ናይ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ሓበራዊ ዕላማ ኢዩ ብምባል፥ ሰንደቕ ዓላመና ምልክተ፣ ሓውልቲ ጥንካረ፣ ዓርማ ዓወትና፣ ኘግለፂ ሉእላዊነትናን ዋሕስ ሀብረ ብሀሄራዊ ሓድነትናን ምዃኑ ብኣግባቡ ብምግንዛብ ግቡእ ክብሪን ፍቕሪን ምሃብ ይግባእ ክብል ገሊፁ።

ሰንደቕ ዓላማ ንኢትዮጵያዊያን ዘለዎ ትርጉም ረቂቕን ዋግኡ እውን ዝለዓለን ኢዩ ዝበለ እቲ ኣገልግሎት፥ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ኩሎም ኩርናዓት ዓለም ሒዘምዎ ዝጓዓዙ ዝለዓለ ስንቅን ዕጥቅን ኣብ ልቦም ዝተስኣለ ክብሪን ፍቕርን ሰንደቕ ዓለማ ኢዩ ኢሉ።

ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሰንደቕ ዓላምኡ ከይትድፈርን ልኡላዊነት ሃገሩ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕን ኣብ ዓውደ ኲናት ደሙን ዓፅሙን ከይሰሰዐ ዝህብ ንክብሪ ሰንደቕ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ብደመን ዓፅምን ተሓሊዩ ዝፀንሐ ክብሪን ሉእላውነትን ሰንደቕ ዓላማና በዝበለፀ ምፅናዕ ዝከኣል ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዓውደ ስራሕ ስራሕና ብቅንዕና እንትንፍፅም፣ ሉእላውነት ምግብና ንምርግጋፅ እንትንፅዕር፣ ሰርቅን ግዕዙይ ኣሰራርሓን በስምዒት ሃርበኝነት ሃገር እንትንቃለስ፣ ሰላምና እንትነፅንን በህብር ተናቢብና ምንባር እንትንክእል ምዃኑ ብፃት እውን ምዝንጋዕ ኣይግባእን ክብል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

Comments (0)
Add Comment