ኣገልግሎት ኣምቡላንሳትን ካልኦት ረብሓታትን ዝህባ 16 ተሽከርከርቲ ንትግራይ ብመልክዕ ደገፍ ተዋሂበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኣምቡላንሳትን ዝተፈላለዩ ረብሓታትን ዝህባ 16 ተሽከርከርቲን ንክልል ትግራይ ብመልክዕ ደገፍ ከምዝተውሃባ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ብስምምዕነት ሰላም ዕልባት ምርካቡ ስዒቡ ንትግራይ ዝወሃብ ደገፍ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ሓላፊ ሰብኣዊ ዲፕሎማሲን ኮሚኒኬሽንን እቲ ማሕበር  መስፍን ደረጄ  ተዛሪቦም።

ብመሰወረት እዚ ኣብ ትግራይ ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ዝተፈላለዩ ሓገዛትን ይወሃብ ኣሎ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ን57 ሺሕን 520 መራሕቲ ስድራ ሓገዝ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ንፀገም ንዝተቓልዑ ወገናት ንምሕጋዝ  ዝደሊዩ ዜጋታት ናብ መስመር ስልኪ 9400 ‘Ok’ ዝብል መልእኽቲ ብምልኣኽ ምሕጋዝ ከምዝኽእሉ እቶም ሓላፊ ኣገንዚቦምምሕጋዝ ከምዝኽእሉ እቶም ሓላፊ ኣገንዚቦም ክብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment