ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ንዝህቡ ተሸከርከርቲ ድጎማ ነዳዲ ንምግባር ኣብ ዘኽእል ረቂቕ መምርሒ ልዝብ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ህዝቢ ንዝህቡ ተሸከርከርቲ ድጎማ ነዳዲ ንምግባር ኣብ ዘኽእል ረቂቕ መምርሒ ልዝብ ተኻይዱ።

እቲ ስርዓት ድጎማ ብግቡእ ኣብ ስራሕ ምውዓሉ ንሕብረተሰብ ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝሐሸ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ምሃብ ዘኽል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ስርዓት GPS ክግጠመሉ ምግባሩ ድማ ምውፋር ትራንስፖርት ብቴክኖሎጂ ብምትእስሳር ቁፅፅር ንምስላጥ ዕድል ዝፈጥር ዝተብሃለ እንትኸውን፥ እቲ ድጎማ ካብ 1 ሓምለ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ተፈፃሚ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣብ ምቁፅፃር ታሪፍን ውፋርን ዝተደረኸ ኣገልግሎት ርራንስፖርት ታሕተዋይ፣ ማእኸላይ ተሸከርከርቲ ዝምልከት ድጎማ ነዳዲ ከምዝኾ እውን ተሓቢሩ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment