ኣገልግሎት ሕክምና ፊስቱላ ተበፃሕነቱ ክብ ንምባል ዘኽእል ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ሲዳማን ጥራሕ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ሕክምና ፊስቱላ ተበፃሕነቱ ክብ ንምባል ዘኽእል ዘተ ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና  ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብ ኢትዮጵያ ንሕክምና ፊስቱላ ደገፍ መስ ዝገብር ትካል ኦፍ ጆይ ሂሊንግ ሃንድስ መስራቲን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ኣሊሰን ሺጎ ዘቲየን።

ኣብቲ ዘተ፥ ተቓላዕቲ ፊስቱላ ዝኾና ኣዴታት መፍላየ፣ ሕክምና ፊስቱላን ዝሓወያን መሊስካ ብምውዳብ ናብ ማሕበረሰብ ንክሕወሳ ምግባር ዘኽእል ደገፍ ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ።

ዶክተር መቅደስ ዳባ፥ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ሲዳማን ጥራሕ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት ሕክምና ፊስቱላ ናብ ካልኦት ክልላት ንምጅማር ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ሓቢረን።

Comments (0)
Add Comment