ኣገልግሎቱ ድሕንነት ፋይናንስ ናይ 13 ትካላት ስራሕ ቤቲንግን 109 ዝንቀሳቓሎም ሒሳብ ባንኪን ኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎቱ ድሕንነት ፋይናንስ ኣብ ፋይናንስን ኢኮኖሚን ገበናት ዝፍፅሙ ኣካላት ምውሳድ ዝጀመሮ ስጉምቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣፍሊጡ።

ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ዝኾነ ዓይነት ኢኮኖሚያዊ ምኽንያት ኣብ ዘይብሉ ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ብልዑል ኩነታት እናሰወሰኸ ዝመፅ ምዝባዕ ሸርፊ ወፃኢ እናስዐበ ዝርከብ ጉድኣት ንምክልኻል እናተወሰዱ ዝርከቡ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ስጉምቲታት፤ ምንቅስቓስ ተሳተፍቲ እቲ ገበን ተኸታቲልካ ምንቅስቓስ ባንኮም ምእጋድ ኢዩ፡፡

ግቡእነት ምስዘለዎም መኽበርቲ ሕጊ ብምትሕብባር ተሓታትነት ሕጊ ንምዕሳል ዘኽእሉ ተግባራት ምስላጥ እውን ካሊእ ስጉምቲ ኢዩ፡፡

በቲ ኣገልግሎት ክትትል እናተገበረሎም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ተዋሳእቲ እቲ ገበን ቤቲንግ ብዝብል ስያመ ዝፍለጡ ኣብ ተግባራት ውርርድ ዝሰርሑ ኣካላት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ትካላት ካብ ሕብረተሰብ ዝእክቡዎ ልዑል ገንዘብ ብምጥቃም ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ኣብ ዕድጊት ሸርፊ ወፃኢ እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ብዝተገበረ ክትትል ምርግጋፅ ከምዝተኸኣለ ተገሊፁ፡፡

ብምዃኑ ምጭብርባር ታክሲ ሓዊሱ ኣብ ዘይሕጋዊ ፀሊም ዕዳጋ ተግባር ገበን ዕድጊት ሸርፊ ወፃኢ ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ዝተፈለጡ 13 ትካላት ስራሕ ቤቲንግን 109 ዝንቀሳቐሱሎም ሒሳብ ባንኪታትን ንኅግድ ብምግባር ኣብ ቀፃሊ ጉዳዮም ብሕጊ ክረአ ናይ ምግባር ውሳነ ተመሓላሊፉዎም ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ተግባር ገበን ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣጀካላት ካብ ተግባሮም ንኽዕቀቡ እቲ ኣገልግሎት ኣተሓሳሲቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment