ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማዕድን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣብ መጋየፅታትን ዝኸበሩ ማዕድናትን ምስ ዝተዋፈሩ ኣፍረይቲ ነጋዶ ዘትዮም፡፡
ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘቐመጥዎ መልአኽቲ÷ “ኣድለይቲ ዘይኮኑ ኽልኸላታትን እገዳታትን ብምልዓል ዕድጊት ማዕድን ወፃኢ ክነዕቢ ኢና” ክብሉ ሓቢሮም፡፡
ካብ ዕድጊት ማዕድን ወፃኢ ብፍላይ ድማ ምስ ኣብ መጋየፅታትን ዝኸበሩ ማዕድናትን ዝተዋፍሩ ኣፍረይቲ ነጋዶ ሃናፃይ ዘተ ከምዘካየዱ ኣልዒሎም፡፡
ቅድሚ ሐዚ ዝነበሩ ኽልኸላታትን እገዳታትን ብምልዓል ስርዓት ዕድጊቱ ብዕዳጋ ጥራይ ንክምራሕ ንምግባር ከምዝወሰኑ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ገሊፆም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ላኣኽቲ ማዕድን ተወዲቦም ስራሕቶም ንክሰርሑ ዘኽእል ኣወዳድባ ንከመዓራርዩ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ ሓቢሮም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com