ኣዲስ ወግ “ህልውና ምሕላው፣ ዕቤት ምድንፋዕ” ብዝብል ርእሲ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ አበባ ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተሰናደአ ኣዲስ ወግ “ህልውና ምሕላው፣ ዕቤት ምድንፋዕ” ብዝብል ርእሲ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ብኣቕራባይነት ሚኒስትር ኮሙዩኒኬሽን ዶክተር ለገሰ ቱሉ፣ ሚኒስትር ገንዘብ ኣየተ ኣሕመድ ሽዴን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ከምኡ እውን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዳንኤል ክብረት መዛተዪ ብምዃን እናተኻየደ ምዃኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሩታ የረድእ፡፡

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ኣብ ዘቕረቡዎ መዛተዪ ሓሳብ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሰፊሕ ጥምየት፣ ፆታዊ መጥቃዕቲን ሰብኣዊ ሓገዝን ንኲናት ምጥቃም ዛዕባ ሓንፂፁ ተወሳኺ ተረኸ ተፀምቢሩሉ ንእታወት ፕሮፓጋንድ ከምዘውዓለ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ከም ኦነግን ሸኔን ዝበሉ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሎም ኣካላት ኣዲስ ኣበባ ከምዝኸበቡ ከምዘምሰለ ገሊፆም።

ካብ ውሽጢን ወፃኢን ብዝተዋደደ መልክዑ ዘይሕጋዊ መሳርሒ፣ ገንዘብን ናይ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ክዳን ብምዝውዋር ምግባሮም እውን ኣልዒሎም።

ብፍላይ ህዝቢ ብስነ-ኣእምሮን ፕሮፓጋንዳን ንምርዓድ ሰፊሕ ምድላው ገይሩ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

እቶም ጉጅለ ግብረ ራዕዳውያን ዝገበሩዎ ፈተነ ንምምካት፥ መንግስቲ ብኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተዋደደ ትልሚ፣ ናይ ኣመራርሓ ውዳበ፣ ብቴክኖሎጂን ሓይሊ ሰብን፣ ምድላው ዕጥቂን ስንቂን ምግባሩ ኣብሪሆም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣዛዚ ጦር ቀዳማይ ሚኒሰስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብቐረባ ኮይኖም ሰራዊት ንምምራሕ ናብ ግምባር ብምዝማቶም ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ትልሚ እቲ ግብረ ራዕዲ ምፍሻል ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብግደኦም፥ ኣብቲ ኩነታት ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝሰርሑዎም ፀብፃባት ዓይነትን መደምደሚን ኣቐዲሞም ይውስኑ ከምዝነበሩ ኣልዒሎም።

ዓለም ለኸ ትካላት ሚዛኖም ንካልኦት ኣካላት ንኸዘምብል ልዑል ፃዕሪ ምግባሮምን እዚ እውን ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢን ወፃኢን ዘሎድፍኢት ትፃወረሉ ዓቕሚ ፈጢሩ ኢዩ ኢሎም።

ሃገራት ኣፍሪካ እዚ ፅዕንቶ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣፍሪካ ኣብ ዘለትሉ ንኽትረግፅ ዝተሓሰበ ከምዝኾነ ተገንዚቦም ንኢትዮጵያ ሓገዝ ምግባሮም ኣምባሳደር ሬድዋን ተዛሪቦም።

ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ብፍላይ ዳያስፖራ ሃገራት ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ዘለወን ቅዋም ንፁር ንኽኸውን ልዑል ፃዕሪ ምግባሮም ኣብቲ ዘቕረቡዎ መበገሲ ሓሳብ ዘተ ኣልዒሎም።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመሰድ ሽዴ ብዘቐረቡዎ መዛተዪ ፅሑፍ፥ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ልዑል ኢኮኖሚያዊ ጉድኣት ይብፃሕ እምበር ማክሮ ኢኮኖሚ ብልዑል ኩነታት ከምዘይተዛብዐ ሓቢሮም፡፡

ዕድጊት ወፃኢን ስሩዕ ስራሕቲን ብፅቡቕ ኩነታት ከምዝተሰሳለጠ ዝገለፁ ኣይተ ኣሕመድ፥ ብመንፅ ፈጠራ ስራሕ ብዙሓት ዕድላት ከምዘለዉ ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብ ሞንጎ ኲናት ኣብ መብዛሕተኦም ክፋላት ኢትዮጵያ ውዳበታት መንግስቲ ስሩዕ ኣገልግሎቶም ከምዝቐፀሉ ተዛሪቦም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment