ኣዲስ ኣበባ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ኣብ ዝገብራ ኩነታት ብቕልጡፍ እናዓበየት ትርከብ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዲስ ኣበባ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ኣብ ዝገብራ ኩነታት ብቕልጡፍ እናዓበየት ከምትርከብ ከንቲባ እታ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ቀዳማይ ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣዳራሽ ፓን-ኣፍሪካን እናተኻየሄ ይርከብ፡፡

ኣብቲ መጀመሪ ስነ-ስርዓት መደረ ዘስምዓ ከንቲባ ኣዳነች÷ ካብ መላእ ኣፍሪካን ካልኦት ሃገራትን ንዝተውፃእፅኡ ኣጋይሽ መልእኽቲ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ኣመሓላሊፈን።

“ኢትዮጵያ ዓሌት ወዲ ሰብ ዝተረኸበላ ጥራሕ ዘይኮነትስ ምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካን ዝተወለደላ ቀንዲል ናፅነት ኣፍሪካ ኢያ” ዝበላ እተን ከንቲባ÷ ሎሚ ዝተኣከብናሉ እውን ናይዚ ውፅኢት መዘከሪ ንኽኸውን ኣብ ዝተሰየመ ኣዳራሽ ኢዩ ኢለን።

ኣዲስ ኣበባ ከም ሽማ ውቅብቲ ዕምበባ ንምግባር ብቀረባ መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ነ ብዝተዋደደ ርብርብ መላእ ኣመራርሓ እታ ከተማን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣብሪሀን።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሰብ ተኮር ኣንፈታት ብምኽታል ህይወት ዜጋታት ብጭቡጥ ዝልውጡ ስራሕቲ ምውጋን ከምዝተኽለ ገሊፀን፡፡

ካብ ስሩዕ ስራሕቲ ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ዘደንቕ ውፅኢት እናምፅኡ ከምዝርከቡ ምሕባረን ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment