ኣዲስ ኣበባ ምስ ከተማታት ፈረንሳ ዘለዋ ሕውነት ንምጥንኻር ዘኽእል ዘተ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣዲስ ኣበባ ምስ ከተማታት ፈረንሳ ዘለዋ ሕውነት ንምጥንኻር ዘኽእል ዘተ ተገይሩ።

ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዝተሾሙ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክሲስ ላሜይክ ኣብ ዝተፈላለዩ ምትሕብባራት ጠመተ ዝገበረ ከልቲኣዊ ርክብ ዘቲየን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ኣብ መትከል ምትሕብባርን ሓበራዊ ተረባሕነተን ዝተደረኸ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ከምኡውን መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ከተማና ኣብ ዝካየዱ ስራሕቲ ልምዓት ብዛዕባ ዝግበር ደገፍ ምስ ኣምባሳደር ላይሜክ ተዛቲና ኢለን።

ኣዲስ ኣበባ ምስ ከተማታት ፈረንሳ ዘለዋ ሕውነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእል ዘተ ከምዝተገበረ እውን ሓቢረን።

Comments (0)
Add Comment