ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ መዓልቲ ናፃ ተሸከርካሪ ብምትግባርን ካልኦት ምምሕያሻት መገዲታትን ተዓዋቲት ዓለም ለኸ ሽልማት ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ከተማኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ኣብ ወርሒ ሓደ መዓልቲ ናፃ ተሸከርካሪ ብምትግባርን ካልኦት ምምሕያሻት መገዲታትን ብምግባርን ተዓዋቲት ዓለም ለኸ ሽልማት 2021 ኮይና።

እቲ ሽልማት ዓለም ለኸ ራኢ ዜሮ ተቓላዕነት ሓደጋ መኪና ሽልማት እንትኸውን፥ ከተማታት ሓደጋ ትራፊክ ንምንካይ ኣብ ዝገብረኦ ፃዕሪ ዝረኽበኦ ሽልማት ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣዲስ ኣበባ እውን ሓደጋ ንምንካይ ትገብሮ ፃዕሪ ስዒቡ ዓለም ለኸ ራኢ ዜሮ ተቓላዕነት ሓደጋ መኪና 2021 ኣመራርሓ ሽልማት ክትወስድ ክኢላ ኣላ፡፡

እቲ መረፃ ኣብ ብሄራዊ ማእኸል ኣሜሪካ ንምዕሩይ ዓለም ለኸ ኣካል ሞቶር ስፖርት ብምዃን ዝተኻየደ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment