ኣደባባይ ሕውነት ፓርክ ሸገር ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስነ ስርዓት ምረቓ ኣደባባይ ሕውነት ፓርክ ሸገር ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ስነ ሰርዓት ምረቓ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴን ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተሳቲፎም።

ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ንመላእ ኢትዮጵያውያን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ሓዱሽ ዓመት ኣመሓላሊፈን።

ካብ ኢትዮጵያውያን ብተወሳኺ ኣፍሪካውያን ዝኾርዑላ ኣዲስ ኣበባ ከምዚ ዓይነት ፓርክ ምውናና ሽማን ደረጃኣን ክብ ክብል ዝገብር ኢዩ ኢለን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፁ ፓርኪታት ምስሊ ሃገርን እታ ከተማን ካብ ምምዕባል ብተወሳኺ ብሓባር እንተሰሪሕና እንታይ ዓይነት ለውጢ ምምፃእ ከምዝከኣል ህያው ምስክር ኢዩ ክብላ ገሊፀን።

ሃገርና ናይ ምምልኻዕ ፃዕርና ምስ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓት ጎድኒ ንጎድኒ እንተሳሊጥናዮ ኣብ ሓፂር እዋን እወንታዊ ምስሊ ሃገር ምርግጋፅ ከምእንኽእል እውን እተን ፕሬዚዳንት ተዛሪበን።

እቲ ፓርክ ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ኢዩ ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት፥ ንቡዙሓት ስድራ መመሓደሪ ክኸውን ከምዝኸኣለ እውን ሓቢረን።

ካብዚ ፓርክ ብምብጋስ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ነበርቲን ብምውዳድ ካልኦት ኣናእሽቱ ፓርኪታት ኣብ ምልማዕ ትኹረት ብምግባር ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን መልእኽተን ኣመሓላሊፈን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ዝገበርኡ መደረ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓሳብ እቲ ፓርክ ካብ ምፍልፋል ጀሚሮም እቲ ስራሕ ኣብ ምክትታልን ኣመራርሓ ኣብ ምሃብን ንኢትዮጵያውያን ውህብቶ ሓዱሽ ዓመት ንክኸውን ብምግባሮም አመስጊነን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣንባሳደር ቻይና ታን ጂያን ብግደኦም፥ ኣደባባይ ሕውነት ፓርክ ሸገር እዋኑ ብምሕላው ንኢትዮጵያውያን ዝተበርከተ ውህብቶ ሓዱሽ ዓመት ኢዩ ኢሎም።

እቲ ፓርክ ሓዱሽ መግለፂ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኸውን እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ህንፀት እቲ ፓርክ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝነበሮም መንግስቲ ቻይናን ካልኦት ኣካላትን ኣፍልጦ ተዋሂቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ከይዲ እቲ ህንፀት ንዝተሳተፉ ኣካላት ውህብቶ ምስጋና ኣበርኪቶም።

እቲ ፕሮጀክት ንኣኼባ፣ ጥበብ፣ መሀደሲ ህፃናትን ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዘገልግሉ ግዙፋት ማእኸላት ከምዝወነነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment