ኣደራደርቲ ኣሜሪካ ምስ ተደራደርቲ ሩሲያን ዩክሬንን ብተናፀል ተዛቲዮም

ኣደራደርቲ ኣሜሪካ ምስ ተደራደርቲ ሩሲያን ዩክሬንን ብተናፀል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣደራደርቲ ኣሜሪካ ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ጠጠው ንምባልን ሰላም ንምምፃእን ምስ ተደራደርቲ ሩሲያን ዩክሬንን ብተናፀል ተዛቲዮም።

ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ሰላም ንምምፃእ ኣሜሪካ ዝጀመረቶ ፃዕሪ ዝቐፀለ እንትኸውን፤ ኣደራደርቲ ኣሜሪካ ምስ ተደራደርቲ ሩሲያን ዩክሬንን ብተናፀል ከምዝተዛተዩ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ሚኒስትር ምክልኻል ዩክሬን ሩስተም ኡሚሮቭ ምስ ኣደራደርቲ ኣሜሪካ ዝነበሮም ፃንሒት ዕዉት ከምዝነበረ ኣብ ኤክስ ገፆም ፅሒፎም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ብዛዕባ ድሕንነት ሓለዋን ሓይሊን ወሰንቲ ትካላት መሰረተ ልምዓትን ሓዊሱ ፍትሓዊን ዘላቒን ሰላም ንምዕሳል ዝተመልከቱ ነጥቢታት ኣልዒልና ኢሎም።

ብወገን ሩሲያ ልዑል ልምዲ ዘለዎም ዲፕሎማሰኛ ግሪጎረ ካራሲን÷ ኣማኻሪ ድሕንነት ቤት ዕዮ ሩሲያ ሰርጌይ በሲዳ ኣብቲ ድርድር ተሳታፊ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

እቲ ድርድር ሕዚ እውን ከምዝቕፅል ዝተገለፀ እንትኸውን ቀንዲ ዕላማኡ ኣብ ከባቢ ፀሊም ባሕሪ ምቁራፅ ተኹሲ ንምግባር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment