ኣይ ኤም ኤፍ ኣብ ዓለምና ናህሪ ዋጋ መግቢ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ(ኣይ ኤም ኤፍ)ኣብ ዓለምና ናህሪ ዋጋ መግቢ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ካብ ዩክሬን ብፀሊም ባሕሪ ኣቢልካ ስርናይ ንምዉፃእ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ዝተኸተመ ስምምዕነት ምቁራፁ ስዒቡ ሕፅረት ዉሕስና መግቢ ዓለምና ከምዘባኣእሶን ብፍላይ ድማ ኣብ ድኻ ሃገራት ወሰኽ ዋጋ ከጋጥም ከምዝኽእል ኣይ ኤም ኤፍ  ኣጠንቂቑ።

ብኣደራዳርነት  ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ምህርትታት ሕርሻ  ዩክሬን ብፀሊም ባሕሪ ኣቢሉ ንምሕላፍ ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ ምንባሩ ይዝከር።

ይኹን እንበር ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ምህርቲ ሕርሻ ዩክሬን ብፀሊም ባሕሪ ኣቢሉ ድሕንነቱ ተሓለዩ ክሓልፍ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ከምዝፈረሰ ተገሊፁ።

ምቁራፅ እቲ ስምምዕነት ካብ ዩክሬን ብመርከብ ዝበፅሕ ዝነበረ ቐረብ መግቢ ዘትርፍ ብምዃኑ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪካ ፣ ማእከለይ ምብራቕን ደቡብን ኤስያ ዝለዓለ ፅዕንቶ ዘሕድር ከምዝኾነ ኣቐባሊ ቃል ኣይ ኤም ኤፍ ምግላፆም ኣር ቲ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment