ኣይ ኣር ሲ ጎንፂ ኣብ ዘጋጠሞም ከባቢታት ዝገብሮ ደገፍ ከምዘጠናኽር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ብካንትሪ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኮሚቴ ህይወት ኣድሕን(ኣይ ኣር ሲ) ፓውሎ ሲሙስቺ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ዘቲየን።

ኣብቲ ዘተ፥ ሚኒስቴር ጥዕና ኣብ ኣወሃህባ ምላሽ ሓደጋ ምስ መዳርግቲ ትካላት ብቕርበት ብምስራሕ ንሃንደበታዊ ሓደገታት ዝወሃብ ምላሽ ምስላጥ ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ተላዚቦም።

ዶ/ር መቅደስ፥ ጎንፂ ኣብ ዘጋጠሞም ከባቢታት ኣብ መረዳእታ መሰረት ዝገበረ ደገፍ ምግባር ከምዘድሊ ተዛሪበን።

ኣገልግሎት ጥዕና ተበፃሒ ንምግባር መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ መስራሕ ኣለዎም ተባሂሉ።

መዳርግቲ ትካላት ጎንፂ ኣብ ዘጋጠሞም ከባቢታትን ኣብ ዶብ ከባቢን ክታበት ተበፃሒ ንምግባር ደገፍ ንክገብሩ ሓቲተን።

ፓውሎ ሲሙስቺ ብግደኦም፥ ትካሎም ሃንደበታዊ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment