ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሰብ ሞያ ኮሚሽን ዓለም ለኻዊ ሰብ ሞያታት ሰብኣዊ መሰል ተዛቲዮም።
እቲ ዘተ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ጄኔቫ ዝተኻየደ ዘተ ስዒቡ ዝተገበረ ከምእዝኾነ ተገሊፁ።
እቶም ሰብ ሞያ ምስ መዚ መንግስቲን መዳርግቲ ኣካላትን ብምዝታይ ዝተውሃቦም ልኡኽ ብምውፃእ ምስ መንግስቲ ብሓባር መፍትሒ ንምንዳይ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብዝተፈጠረ ጎንፂ ዘጋጠሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንኸፃሪ ዘጣየሾ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሃገርና ዕድል ምትሕብባ ኣመልኪቱ ልዝብ ንምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።