ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብፍልይቲ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪካ ሳኒ ሎን ሃርት ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኔዘርላድስ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብፍልይቲ ልኡኽ ኔዘርላድስ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሳኒ ሎን ሃርት ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዮም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ ድሕሪ ኲናት ዘሎ ህሉው ኩነታት ፀጥታ፣ ምኽባር ሉኣላዊነት፣ ምምላስ ተመዛበልቲ ፣ ሰብኣዊ ሓገዝን ሓፈሻዊ ኣተገባብራ እማመ ሰላም ውዕሊ ፕሪቶሪያን ኣመልኪቶም ነቲ ጉጅለ ልኡኽ መብርሂ ሂቦም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብወገኑ÷ መንግስቲ ኔዘርላድስ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ገፆም ናብ ትግራይ ክገብሩ ከምዝሕግዙ ቃል ኣትዮም፡፡

ህልው ኩነታት ትግራይ ከምዝተዓዘበ ዝገለፀ እቲ ልኡኽ÷ መንግስቲ ኔዘርላንድስ ኣብ ቀይሕ መስቀል ዓለም ዕዡዝ ግደ ስለዘለዎ ዘሎ ምንቅስቓስ ንምዕዛብ ዕላማ እቲ ዑደት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብቐንዱ ድማ እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ዘሳልጦምን ኣብ ከይዲ ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ሕርሻን ሆልቲ ካልቸርን ምርኣይ መበገሲ ዝገበረ ዑደት ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment