ኣይተ ጌታቸው ረዳ  ርእሰ ምምሕዳር ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምዃን ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣይተ ጌታቸው ረዳ  ርእሰ ምምሕዳር ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንክኾኑ ምሿሞም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 62(9)ን ኣዋጅ ቁፅሪ 359/1995 ዓንቀፅ 14/2/ለ/ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንክጣየሽ ብመሰረት ዝሃቦ ውሳነ፣ ከምኡወን ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴሪኢን ህወሓትን ዘላቒ ሰላም ንምንጋስን ጎንፂ ደው ንምባልን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶርያ ብዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ዓንቀፅ 10 መሰረት ሓቛፊ ጊዚያዊ ምምሕዳር ምጥያሽ ኣድላዪ ብምዃኑ፤ ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት 7 መጋቢት 2015 ዓ.ም ኣብ ዘሳለጦ ኣኼባ ደንቢ ኣካታቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምፅዳቑ ገሊፁ።

ብመሰረት እቲ ደንቢ ዓንቀፅ 3(2) ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ንኣይተ ጌታቸው ረዳ ርእሰ ምምሕዳር ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንክኾኑ ከምዝሸሙ ኣፍሊጡ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ፖለቲካ ውክልና ዘረጋግፅን ኣካታቲ ዝኾነን ምምሕዳር ብምጥያሽ ኣፈፃሚ ኣካል እቲ ክልል ናይ ምምራሕን ምትሕብባርን ሓላፍነት ከምዝተውሃቦም ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment