ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣኔት ዌበር ፍልይቲ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ኣገዳስነት ጉዳያት ከምዝዘተዩ ገሊፆም።
ኣብቲ ዘተ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ሌተናል ጄኔራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ እውን ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።
ኣብ ትግራይ ዑደት ኣብ ምክያድ ምስዝርከባ ኣኔት ዌበር ብሓፈሻ ልዑል ኣገዳስነት ኣብዘለዎም ዝተፈላለዩ ጉዳያት እቲ ክልል ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።
ብዛዕባ ብድሆታት ምፍታሕ ኣፅዋር፣ ምትካል እግርን፣ ብድሆታት ሙሉእ ኣተገባብራ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፣ ኩነታት ተመዛበልቲ፣ ተሓታትነት ፈፀምቲ ገበን ከምኡ’ውን ድጋፍ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ምርግጋፅ ሰላም፣ ዳግመ ህንፀትን ሕይወትን ትግራይ ምዝታዮም ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንምርግጋፅ እጃምና ክነወፊ ዘለና ድልውነትውን ገሊፅና ኣለና ምባሎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።