ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣባላት ካቢኔ እቲ ክልልን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን በኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤሪቭን ጆዜ ማሲንጋን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተራኺቦም ተዛቲዮም።

ብፍሉይ ሉኡክ ኣሜሪካ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዝተመርሐ ልኡኽ ኣሜሪካ ሎሚ መዓለቲ ንጉሆ ናብ ከተማ መቐለ ዝኣተወ እንትኸውን÷ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ነቶም ኣጋይሽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ መቐለ ተረኺቦም ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ምስተራኸቡ ድማ ኣብ ዓለም ለኻዊ፣ ዞባዊ፣ ሃገራዊን ክልላውን ፀጥታን ሰብኣዊ ጉዳያትን ትኹረት ብምግባር ተመያይጦም፡፡

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንመንግስቲን ህዝቢን ኣሜሪካ ዘለዎም ክብሪ ብምግላፅ÷ ብፍላይ ኣብ ውዕሊ ፕሪቶሪያን ህዝቢ ትግራይ ሰላሙ ክሕሎ ዝወሰድዎ ተበግሶን ዝተፃወትዎ ግደን ኣመስጊኖም፡፡

ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ኣፈፃፅማ ምስንባትን እግሪ ምትካልን ተመለስቲ ሰራዊት፣ ኣጋጢሙ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ሓደጋ ድርቂን ዝኸውን ሓገዝ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ምትሕብባርን ብሓፈሻ ዛጊድ ኣብዘይተፈፀሙ ተግባራት እማመ ሰላም ፕሪቶሪያ ስፍሕ ዝበለ ምይይጥ ከምዘካየዱ ካብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment