ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣተሓባባሪ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣተሓባባሪ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሳሚኤል ዶን ምክትሎም ቻሩ ቢስትን ተዛቲዮም።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ መቐለ ተራኺቦም ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያትን ኩነታት ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ኣመልኪቶም ዘተ ኣካይዶም።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝፈጠሮም ዕድላት ሰላም ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ውዕሊ ሙሉእ ብሙሉእ ንኽፍፀም፣ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ብምምላስ ስሩዕ መነባብርኡ ንኽመርሕ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቁራፁን ንዝኸፈአ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ከምዝተቓለዐ፣ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂን ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ ስለዝርከብ ሓገዝ ትካላት ገበርቲ ሰናይን ማሕበረሰብ ዓለምን ንኽጠናኸር ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ፕሮግራም ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ ሳሚኤል ዶ÷ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝቐረበሎም መብርሂ ህልው ኩነታት ትግራይ ኣመስጊኖም።

ንትግራይ መሊስካ ንምሕዋይን ኣብ ትግራይ ኣጋጠሙ ዘሎ ድርቂ ንምንካይን ምስ ህዝቢን መንግስቲን ብሓባር ከምዝሰርሑ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment