ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ምክትል ሓላፊ ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ዩ ኤን ኦቻ) ኣብ ኢትዮጵያ ቦንይ ምፓካ ዘቲዮም።
እቲ ዘተ፥ ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ሰብኣዊ ጉዳያትን ልምዓትን ጠመተ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣይተ ጌታቸው፥ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ንምዕዛብ ብምምፀኦም አመስጊኖም።
ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ብዘይምምላሱ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቁራፁን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ብመሰረት ዘጋጠመ ድርቅን ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ካብ እዋን ናብ እዋን ይጋደድ ኣሎ ኢሎም።
ስለዝኾነ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ሓገዞም ንክጠናኸር ፀዊዖም።
ምክትል ሓላፊ ቦንይ ምፓካ ብግደኦም፥ ኣብ ትግራይ ኣጋጠሙ ዘሎ ድርቂ ኣብ ምቕናስን ትግራይ መሊስካ ኣብ ምሕዋይን ምስ ህዝብን መንግስትን ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ገሊፆም።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ከተማ መቐለ፣ ዓዲ-ግራት ምስ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፣ ከባቢያዊ ተወከልቲ ህዝቢ፣ ተመዛበልትን መራሕቲ እቲ ማእከልን፣ መራሕቲ ሃይማኖት ከመዝተራኸቡ ኣብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።