ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዱሽ ዓመት ምኽኒያት ብምግባርበመልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ርእስ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታችው ረዳ ሓዱሽ ዓመት 2016 ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቶም፥ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ንዘሎ መላእ ትግራዋይ እንኳዕ ኣብፀሐካ ኢሎም።

ኣብ ዝቕፅል ዓመት ህዝቢ ትግራይ ብኹለ መዳይ ንምኽሓስ እንሰርሐሉን ውፅኢት እነመዝግበሉን ዓመት ክኸውን ኢዩ ኢሎም።

ነዚ ድማ ኩሉ ሰብ በቢዝተዋፈረሉ ዓውደ ስራሕ ፃዕሪ ንክገብር ተላቢዮም።

ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ኣብ ምምላስን ስሩዕ ናብርኡ ንክመርሕ ኣብ ምግባርን መንግስቲ ፌዴራል ግድኡ ክዋፃእ ይግባእ ኢሎም።

ቀፃሊ ዓመት ህዝቢ ትግራይ ሰላም ዝረኽበሉን ልምዓቱ ዘሳልጠሉን፣ ህፃውንቲ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝምለሱሉ፣ ዝተጎድአ ስነ ልቦና ህዝቢ ትግራይ ዝፅገነሉ ዓመት ንክኸውን ተመኒዮም።

መንግስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብግድኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንዘሎ ዲያስፖራ ትግራይን ፈተውትን ደገፍትን ህዝቢ ትግራይን እንኳዕ ንሓዲሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ኣብፅሓኩም ኣብፅሓና ኢሉ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment