ኣይተ ጌታቸው ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኩባንያ ሲጂጂሲ ቻይና ዳግመ ምጅማር ህንፀት ፕሮጀክት መስተ ማይ ገረብ ግባ ዝጠመተ ዘተ ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዳግመ ምጅማር ህንፀት ግድብ ገረብ ግባ ብምድሃብ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኩባንያ ሲጂጂሲ( CGGC) ቻይና ሎሚ መዓልቲ ዘቲዮም።

እቲ ዘተ፥ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ህንፀቱ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ ሓፅቢ ገረብ ግባ ዳግም ናብ ህንፀት ንምእታዉ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጊዝያዊ ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ እቲ ፕሮጀክት በፂሑዎ ዝነበረ ብርኪ ህንፀትን ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ዘጋጠሞ ዕንወትን ብምግምጋም፥ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ሓፂር ግዘ መሊስካ ንምጅማር ዘኽእል ዘተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ፣ ካብኔ ሴክሬተርያት ትልሚ፣ እቶትን ምሕደራ ሃፍትን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓጎስ ጎደፋይ(ዶ/ር)፣ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኩባንያ ሲጂጂሲ( CGGC) ቻይና ተረኺቦም።

ወርሒ መስከረም 2012 ዓ.ም ህንፀቱ ዝጀመረ ፕሮጀክት ማይ ግድብ ገረብ ግባ፥ ህንፀቱ ምስተዛዘመ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 124 ሽሕን 300 ሜትር ኪዩብ ፅሩይ መስተ ማይ ከቕርብ እዩ ዝብል ትልሚ ከምዝነበሮ ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment