ኣይተ ገዱ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ብስልኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዩ ብስልኪ ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዘተኦም፥ ኩለመዳያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር፣ ዝርገሐ ለበዳ ኮቪድ-19 ብሕብረት ምግታእ፣ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝጀመራሉ ምበል 50 ዓመት ብድሙቕ ንምኽባር ዝካለሉ ኩነታትን ተተሓሓዝቲ ዛዕባታትን ብዝምልከት ከምዘተኮሩ ተገሊፁ።

ኣይተ ገዱ፥ ቻይና ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምዕጋት ዝተኸተለቶ ዕዉት ስትራቴጂ ንኻልኦት ሃገራት ዓለም ፅቡቕ ተሞክሮ ብምዃኑ ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም።
ብምኽንያት እቲ ለበዳ ኣብ መላእ ዓለም ይጠፍእ ዘሎ ህይወት ደቂ ሰባት ዝተሰመዖም ሓዘን ዝገለፁ ኣይተ ገዱ፥ እቲ ለበዳ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ወፍሪ ሕብት ኩሎም ኣካላት ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም።

ኮቪድ-19 ኣብ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸፍአ ጉድኣት ከየብፅሕ ቻይና ትገብሮ ዘላ ሓገዝ መከላኸሊ ኣቑሑትን ኩለመዳይ ድጋፍን እውን ኣመስጊኖም።

ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝበፅሐሉ ብርኪ ህንፀትን ቅዋም ኢትዮጵያን ኣመልኪቶም ኣብ ዘሃቡዎ መብርሂ ድማ፥ ኢትዮጵያ ሕዚ እውን እንተኾነ እቲ ሰለስተኣዊ ድርድር ኣቐዲሞም ብዝተቐመጡ ረቛሒታት ንኣፍሪካዊ ፀገም ኣፍሪካዊ መፍትሒ ክህብ ብዝኽእል መልክዑ ክቕፅል እንተተገይሩ ፈቓደኛ ምዃና ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያን ቻይናን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝጀመራሉ መበል 50 ዓመት ብድሙቕ ኩነታት ንምኽባር ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ገዱ፥ እዚ ድማ እተን ሃገራት ኩለመዳያዊ ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዝዓዘዘ ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዩ ብግደኦም፥ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምግታእ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝህቦም ምኽረ ሓሳባት ተግባራዊ ምግባር ከምዘድሊ ሓቢሮም።
ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ለበዳ ንምክልኻል ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ኩሎም ኣካላት ክድግፉዎ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ምልኢት ማይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት፥ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ መርህ ዝተመርኮዘ ልዝብ ብምግባር መፍትሒ ከተኣላልሻ ይግባእ ኢሎም ከምዝኣምኑ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተወሳኺ ቻይና ሰለስቲአን ሃገራት ተቐራሪበን ኣፈላላየን ንኽፈትሓ ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝዘ ከምትገብር እውን ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment