ኣይተ ጃዋር መሓመድ ሓዊሱ 18 ተኸሰስቲ ናብ ቤት ህንፀት ንክዛወሩ ትእዛዝ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ፍርዲ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ሓዊሱ 18 ተኸሰስቲ ናብ ቤት ህንፀት ንክዛወሩ ኣዚዙ።

ኣብ ሓለዋ ስግኣት እንተሃሊዩ ድማ ከምዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ልደታ ምድብ ቀዳማይ መጋባእያ ጉዳያት ሕገ መንግስቲን ገበን ግብረ ራዕዲን ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፍርዲ ናብ መጋባእያ ዘይቀረቡ ተኸሰስቲ ንክቐርቡ ትእዛዝ ሂቡ።

ናብ መጋባእያ ዘይቀረቡ ተኸሰስቲ ኣብ ዘለውሉ ክሲ ንምንባብ ን21 መስከረም 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment