ኣይተ ደመቀ ካብ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኢነርጂ ኣቶሚክ ሓይሊ ኣቶሚክ ንልምዓት ንምጥቃም ምትሕብባርን ድጋፍን ንክገብር ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ካብ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኢነርጂ ኣቶሚክ ሓይሊ ኣቶሚክ ንልምዓት ንምጥቃም ምትሕብባርን ድጋፍን ንክገብር ሓቲቶም።

ኣይተ ደመቀ ምስ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ራፋኤል ማሪያኖ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብሪሆም።

ኣብ ዝገበርዎ መብርሂ፥ ኢትዮጵያ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ ብዕውት መገዲ ኣብ ምትእንጋድ ከምዘላ ብምሕባር፥ እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰላም ዘርኢ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሓይሊ ኣቶሚክ ንልምዓት ንምጥቃም ብፍላይ ብዓውዲ ግብርና ዘሎዎ ረብሓ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ዓውዲ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ባህጊ ዘሎ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብተወሳኺ እቲ ኤጀንሲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክሕግዝ ምእንቲ ኣብዛ ሃገር ማእኸል ንክጣየሽ ብወገን ኢትዮጵያ ድልየት ከምዘሎ ሓቢሮም።

ራፋኤል ማሪያኖ በግደኦም፥ ሎሚ መዓልቲ ተከቢሩ ዝውዕል ዓለም ለኸ መዓልቲ ካንሰር ብምዝኽኻር፥ ካንሰር ብብርኪ ዓለም ዘስዕቦ ልዑል ማህሰይቲ ጥዕና ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እቲ ኤጀንሲ ኣብ ኢትዮጵያ ማእከል ሕክምና ካነሰር ናይ ምጥያሽ ትልሚ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment