ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዕዉት ኩነታት ምዝዛሙ ስዒቡ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣይተ ደመቀ፥ ሕቶ ምልማዕ ሃገርና ብቐፃልነት ምላሽ ብዝህብ መልክዑ ዝጀመርናዮ ኩለ መዳይ ለውጢ ብናይ ህዝብና ዝነቕሐ ተሳትፎን ደገፍን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።
ተፈጥሮ ዝሃበትና ልዑል ፀጋ ኣልሚዕና ንምጥቃም ብገንዘብኩም፣ ጉልበትኩም፣ ረሃፅኩምን ፍልጠትኩምን ብዝገበርክምዎ ርብርብ ነዚ ታሪካዊ ዓወት ብምብፃሕኹም እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።
በዚ ናይ ዓወት ናህሪ ሃገርና ንወፃኢ ኣካላት ተቓላዒት ዝገብሩ ሓይሊታት ብዝተሓባበረ ቅልፅም ምምካትን ሽርሖም ምምካንን ይግበአና እውን ኢሎም።
ታሪኻዊ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ኣብዚ ብርኪ ንክበፅሕን ሰለማዊ ሃገራዊ ምርጫ ንኽካየድን ዝገበረ ህዝቢ ሓድነቱ ሓሊዩ እንትጓዓዝ ንውፅኢት ከምዝበቅዕ ልዑል መርኣዪ ኢዩ እውን ኢሎም።
ኣብዝሓለፉ እዋናት ካብ ውሽጢን ደገን ብዙሓት ሓይሊታት ዝፈጠሩልና ፅዕንቶ ብጥበብ ምሽጋርና ኣይርሳዕን፤ ንቐፃሊ እውን ንዘጋጥሙና ፈተናታት ህዝቢ ሕብረቱ ብምጥንኻር ክምክቶም ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ ሓድነትና ብምጥንኻር ትውልዲን ሃገርን ንክነሻግር ፃውዒተይ አቕርብ ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።