ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ፍትሓዊ ውክልና ንክህሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣይተ ደመቀ ኣብ ኒውዮርክ ምስ ዝካየድ ዘሎ መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ክሊ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ዘዳለውዎ ትግበራ መመሓየሺ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ተሳቲፎም።
እቲ ዘተ፥ ብብርኪ ዓለም ኣብ ዘጋጠመ እዋናዊ ኩነታትን ኣብ ስራሕቲ ምምሕያሽ ውሕመን ሓሳብ ንምልውዋጥ ዝዓለመ ከመዝኾነ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ሃገራት ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ፍትሓዊ ውክልና ንክህሉወን ኣይተ ደመቀ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ተመሳሳሊ ቅዋም ከምዘለዋ እወን ሓቢሮም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።