ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ምክትል ኣዶ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካሞኒክ ሳንዛባጋንዋ (ዶ/ር) ዘቲዮም።
ሞኒክ ሳንዛባጋንዋ (ዶ/ር) ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ዘሎ ሪፎርም ዝጠመተ መብርሂ ንኣይተ ደመቀ ሂበን።
ኣይተ ደመቀ በግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ እትገብሩ ደገፍ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣረጋጊፆም።
እቲ ኮሚሽን ንዝገብሮ ስራሕቲ ሪፎርም ኢትዮጵያ ኣድላዪ ደገፍ ንምግባር ቁርፀኛ ከምዝኾነት እውን ምዝራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።