ኣይተ ደመቀ ሩሲያ ንዝሓዘቶ መርህ መሰረት ዝገበረ ቅዋም አመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ሩሲያ ንዝሓዘቶ መርህ መሰረት ዝገበረ ቅዋም አመስጊኖም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቨግኒ ታሪኪንን ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ መስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝገበሩ ኣይተ ደመቀ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሩሲያ ንዝሓዘቶ መርህ መሰረት ዝገበረ ቅዋም አመስጊኖም።

ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት በዝምልከት እውን ነቶም ኣምባሳደር መብርሂ ሂቦም።

ሰብኣዊ ሓገዝ ዝገብራ ትካላትን ትካላት ሚዲያን ኣብቲ ክልል ብምእታው ስራሕተን ንክፍፅማ መንግስቲ ምቹው ኩነታት ከምዝፈጠረ ብምግላፅ፥ ዝለዓሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንምፅራይ ዘኽእሉ ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለዉ እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment