ኣይተ ደመቀ ምስ ናሚቢያን ካኔሮንን መዘናታቶም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ናሚቢያ ኔቱምቦ ናንዲ-እንዳይትዋን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ካሜሮን ሌጄኡን ምቤላ ምቤላን ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ጎኒ ንጎኒ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ኢዩ ተሳሊጡ።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኔቱምቦ ናንዲ-እንዳይትዋን ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ናሚቢያን ኣብ ዝጠናኸረሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምልዛቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቶም ሚኒስትር ብተመሳሳሊ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ካሜሮን ሌጄኡን ምቤላ ምቤላ ክልተኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝጠናኸረሉ ኩነታትን ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያን ኣድሂቦም ዘቲዮም ኢዮም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment